ሰለማዊ ሰልፊ ንዕለት 10 ወርሒ 10 ኣብ በርን ሕጂ ነድሕን- ቦታ ኣለና!

ንዕለት 10 ጥቅምቲ  ሰዓት 14  ናብ በርን ክንከይድ ኢና።መራከቢ ቦታ ኣብ በርን ( start Schüzenmatte) እዩ።  ኣብ ጽርግያታት ናይ በርን ጠለባትና ነቲ ኣብ ዶባት ናይ ሕብረት ኤውርጳ ዝግበር  ደሎ መሰል ደቒሰባት ናይ ምጥሓስ  ኩነታት  እዩ። እቲ መአከቢ ስደተኛታት ሞርያ(moria) ምሉእ ብምሉእ እዩ  ብሓዊ ተቓጺሉ። 13 ሽሕ ሰባት ኩሉ ንብረቶምን ጠፊእዎምን  መዕቆቢኦም ሲኢኖምን። ድሕሪ ናይ‘ቲ ባርዕ ሓደጋ – ውን ነቶም ሰባት ከድሕንዎም ወይ ካብኡ ክወጹ ኣይተገብረን። ኣብክንዲ ኮም`ኡ  ምግባር ካኣ እቶም ዝተሰደዱ ንመዓልቲታት ኣብ ጎደናታትን ጽርግያታትን ክሓድሩ ተገዲዶም። ብዘይ መግቢ – ብዘይ ዝስተ ማይ ማለት እዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ  እዞም ሰባት መንብዒ ጋዝ ብምጥቃም ናብ ሓደ ሓድሽ ናይ እሱርቤት ዝመስል ብጥዕሚ ጽቢብ ተጸቓቒጦም ክምዛትዉ ተጌሩ። እቲ ሓዋሁው ኣብ‘ቲ ቦታ ብጣዕሚ ሕማቕ እዩ ደሎ። እቶም ሰባት ብከም‘ዚ ኣተሓሕዛ ክተሓዙ ስቅ ኢልና ኣይንዕዘብን። ብፍጹም! ብምንም ብድሕር ሕጂ! ስለዝኮነ ካኣ ዕለት  10 ወርሒ ዓሰርተ ናብ በርን (Bern) ኣብ ጽርግያታት ብምካድStart Schüzenmatte) ፡ ጠልብና ን ፈደራልዊ መንግስቲ ስዊዝ(Bundesrat) ስደተኛታት ሕጂ ንክቕበል እዩ። ጠለብና ሓደ ሰብኣዊ ዝኮነ  ናይ ስደተኛታት ፖለቲካ እዩ። ኣኪሉ ዝተርፍ ቦታ ኣለና- ቐረባት ውን  ኡክል ኣለና። ብዛዕቡኡ ሓላፍነት ናይ ምውሳድ ውን ጉቡእና እዩ!  ክንሰርሓሉ  ውን ኢና።

10.10. 2020  ሰዓት14 ኣብ በርን የራክበና!

እዚሓበሬታ ንካልኦት ሰባት  ክነካፍሎ  ወይ ክነባጽሖ  ናይ ኩላትና ስራሕ ኣዩ!